ጥቅምቲ 29 2020
ክቡራት ወለዲ
ብሰላምን ጥዕናን ንክትሕልዉ ተስፋ ይገብር፡፡ ከምትፈልጡዎ ናይ ቀዳማይ ርብዒ ሰመሰተር ናይዚ ዓመተ
ትምህርቲ ሕዳር 2 ክዛዘም ኢዩ፡፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ማለት ሕዳር 9 ናይ ውጽኢት ካርድ ናብ ገዛኹም
ብፖስታ ክለኣከልኹም ኢዩ፡፡ ነፍስ ወከፍ ናይ ውጽኢት ካርድ ተማሃሮ ደቅኹም ኣብ ትምህርቶም ከመይ
ይሰርሑ ከምዘለዉ መረዳእታን ከምኡውን ኣብ ትምህርቶም ናይ ምክትታል ሓበሬታ ክህበኹም ኢዩ፡፡ እዚ
ናይ ውጽኢት ካርድ ንተወሳኺ ዝርርብ መበገሲ ስለዝኸውን ነቲ መስርሕ ምምሃርን ኣፈጻጽማን ንምሕጋዝ
መንገዲ ክትደልዩ ከለኹም ንተወሳኺ ንጹርነትን መምርሕታትን ንመማሃራናን ናይ ስራሕ ኣባላትናን
ክትረክቡዎም ንዕድመኹም፡፡
ንቀዳማይ ደረጃ ተማሃሮ ናይ ውጽኢት ካርድታት፤ ናይ ቀዳማይ ርብዒ ሰመስተር እቲ ናይ ውጽኢት ካርድ ናይ ኣፈጻጽምኦም ጸብጻብ ሓበሬታ ዝሓዘ ክኸውን ኢዩ፡፡ ከምቲ ልሙድ ናይ ግሬድ ውጽኢት ኣይክሕልውን ኢዩ፡፡ እቲ ብጸብጻብ መልክእ ዝቀርብ ርእይቶ ፍሉይ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርቶምን ባህርዮምን ከምኡውን መግለጺታት ብርታዖምን ብድሆኦምን ዝሓዘ ክኸውን ኢዩ፡፡
ናይ ካልዓይ ደረጃ ተማሃሮ ውጽኢት ካርድ፤ ግሬድ ምስ ገለ ጸብጻብ ዝሓዘ ክኸውን ኢዩ፡፡ ናይቲ ግሬድ
ውጽኢት ተማሃሮ ደቅኹም ነቲ ዝተማሃሩዎ ትምህርቲ ማዕረ ክንደይ መሊኾሞ ኣለዉ ብዝብል ዝተመርኮሰ ኢዩ፡፡ ኣብ ገለ ውሑድ ኬዛት ግሬድ ናይዚ ርብዒ ሰመስተር ብውሱን ሓበሬታ ክምዝተመርኮሰ ኣብ ግምት ክተእትዉ ኣለኹም፡፡ እዚ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ኩለን ኬዛት ኣፈጻጽማ ክመሓየሽ ይከኣል ኢዩ፡፡
ነቲ ውጽኢት ካርድ ናይ ቃል ትርጉም ወይ ድማ ናይ ጽሑፍ ትርጉም ሓገዝ እንተደሊኹም ንናይ ትግርኛ
ትርጁማን ወይ ድማ በዚ ቁጽሪ ዚ (540) 437 5017 ናብ ቤት ጽሕፈት ቤተሰብን ኮሚዩኒቲ ርክብ ደውሉ፡፡
ናይ ርሕቀት/ ኦንላይን ትምህርቲ ዳርጋ ንኹሎም ተማሃሮ በዳሂ ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና፡፡ ምስ ጊዜ ተማሃሮን
መማህራንን ናብቲ ሓድሽ ልማድ ክሳነዩ፤ ንጹር ትጽቢት ክሕልዎም ከምኡውን ናይ ቴክኖሎጂ መሳርሕታት
ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ክኣትዉ ኢዮም፡፡ ናይ ተማሃሮና ማሕበራዊን ስሚእታውን ድሌት ንምሕጋዝን
ከምኡውን ንወለዲ ናይ ቴክኖሎጂን ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ድሌት ምላሽ ንምሓብ ዕዙዝ ጻዕሪ ምግባር
ክንቅጽሎ ኢና፡፡ ነቲ ትሕቡና ርእይቶ ዋጋ ከምንሕቦ ፍለጡ ስለዚ ምሳና ምርካብ ቀጽልዎ፡፡ ብሓባር ንዓወት
መንገዲ ክንጸርግ ንክእል ኢና፡፡
ምስ ሰላምታ
J. Patrick Lintner
Chief Academic Officer